Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሓበሬታ ተበፃሒ ዝገብር ግብረ ሓይሊ ተጣዪሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ፈነወ ሓበሬታ ንኽህሉ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣካቢ እቲ ግብሪ ሓይሊን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

ኣብ ዛዕባ እተሪ ለበዳ ሕማም ሓበሬታ እናተውሃበሉ ዝፀንሐ ናፃ ቁፅሪ ስልኪ 8335 ብምጥንኻር ልዕሊ 36 ናይ ደወል ምላሽ ዝህቡ ማእኸላት ብምዕባይን ቅድሚ ሕዚ ንመውሃቢ ትምህርቲ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ እናገልገለ ዝነበረ ማእኸል መፀውዒ 950 ናብ ማእኸል መውሃቢ ትምህርቲ ቫይረስ ኮሮና ንምጥቃም እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሕብረተሰብ ናብ 444 ብምድዋል ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ እቲ ለበዳ ሕማም ዝምልከት ሓበሬታ ክረክብ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ ክልላት ሓበሬታ ዝህቡ መፀውዒ ማእኸላት፥ ንትግራይ ክልል 6244፣ ክልል ደቡብ 6599፣ 6955 ኦሮሚያ፣ 6407 ድሬዳዋ፣ 6982 ንክልል ኣምሓራ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ካብ ጉጅለ ቴክኖሎጂ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኢትዮ ቴሌኮም፣ ተወከልቲ ዘፈር ውልቀ፣ ካብ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተውፃእፀአ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.