Fana: At a Speed of Life!

ተሓላቒን ተኸራኻሪን ሓለዋ ከባቢ ዶ/ር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሓላቒን ተኸራኻሪን ሓለዋ ከባቢ ዶ/ር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ብብዝሃ ህይወት ሳይንትስትነት ዝለዓለ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ዶ/ር ተወልደብርሃን፥ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ንግስተ ሳባ ከምኡውን ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጀኔራል ዊንጌት ተማሂሮም።

ኣብ 1959 ዓ.ም ብናይ ቀደም ስያምኡ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ብናይ ሎሚ ድማ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ውፅኢት ኣቲዮም።

ኣብቲ ዩንቨርስቲ ብክፍሊ ትምህርቲ ስነ ህይወት ካብ ዝተመረቑ ተምሃሮ መዳሊያ ወርቂ ብምሽላም ብልዑል መዓርግ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቲም ዛዚሞም።

ናብ ሃገረ እንግሊዝ ብምምራሕ ድማ ዶክትሬት ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዌልስ ረኺቦም።

ዶ/ር ተወልደ ኣብ 1970 ዓ.ም ዲን ፋካሊቲ ሳይንስ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪኡ ድማ ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሎም።

ናይ 53 ሃገራት ኣፍሪካ ተደራዳሪ ልምዓት ከባቢን ደንን ከምኡውን ዓለም ለኸ ሓለዋ ከባቢ ኣየር ብምዃን ንክከራኸሩለን ብምፍራም ብሕታዊ ተሓላቒን ተኸራኻሪን ሓምለዋይ ኣብዮን ኢዮም።

ካብ መጋቢት 1987 ዓ.ም ክሳብ 2008 ዓ.ም ዋና ዳይሬክተር ሓለዋ ከባቢ ፌዴሪኢ ብምዃን ሃገሮም ክሳብ ዓለም ለኸ መድረኻት ብምውካል አገልጊሎም።

ኣስታት 38 ስራሕቲ ምርምራት ኣብ ዓለም ለኸ ሕትመት አሐቲሞም።

ኣቦ ሰለስተ ደቂ ኣኒስቲዮ ዶክተር ተወልደ ብርሃን ክሳብ ሕልፈተ ህይወቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይነብሩ ነይሮም።

ዶ/ር ተወልደብርሃን ገብረእግዚአብሔር ካብ ወላዲኦም ቀሺ ገብረእግዚአብሔር ዮሐንስን ካብ ወላዲቶም ወይዘሮ መዓዛ ወልደ መድህንን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ 12 ለካቲት  1932 ዓ.ም ተወሊዶም።

ኣብ መበል 83 ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ቤተ ሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.