Fana: At a Speed of Life!

ታሕተዎት ትካላት ፋይናንስ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ምዕሩይ ኩነታት ክተዓራረ ኢዩ -ብሄራዊ ባንኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ታሕተዎት ትካላት ፋይናንስ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ኣብ ምግባር ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ብሄራዊ ባንኪ ገሊፁ።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ሰለሞን ደስታ÷ ታሕተዎት ትካላት ፋይናንስ ኣብ ቁጠባዊ ሃፍቲ ዘለዎም ግደ ክብ ንኽብል እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

2 ሺሕን 80 ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ ታሕተዎት ትካላት ፋይናንስ ሓፈሻዊ ካፒታሎም ልዕሊ 11 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ እውን ኣይተ ሰለሞን ተዛሪቦም፡፡

እቶም ትካላት ጥዑይ ዝበሃል ምንቅስቓስ ከምዘለዎም ዝሓበሩ ኣይተ ሰለሞን÷ ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ዘሎ ክፍተት ንኅመልኡ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ነቶም ትካላት ኣገልግሎት ልቓሕ ተበፃሒ ንምግባር መፅናዕቲ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ብኣወል ኣበራ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.