Fana: At a Speed of Life!

ትራምፕ ኣብ ቻይና ባንኪ ኣካውንት ኣለዎም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቻይና ብምውቃስ ዝፍለጡ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ባንኪ ኣካውንት ከምዘለዎም ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ኒዮርክ ታይምስ እንተኾይኑ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ሒሳብ ደፍተር ባንኪ ከምዘለዎም ኣሚኖም።

እቲ ሒሳብ ደፍተር፥ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓለም ለኸ ሆቴላት ዶናልድ ትራምፕ ዝርከብ ኢዩ ተባሂሉ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2013 ክሳብ 2015ኣብ ዘሎ እዋን ግብሪ እቲ ከባቢ ከምዝተኸፈለሉ ከምዘመላኽት እውን ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ፥ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ቻይና መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳሶም ብተደጋጋሚ ከነኣእሱ ምፅነሖም ይፍለጥ።

ኣቐባሊ ቓል ትራምፕ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ሒሳብ ደፍተር ኣብ ሃገራት እስያ ሆቴል ንምኽፋት ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ ንምፍላጥ ተሓሲቡ ዝተኸፈ ኢዩ።

ኣብ ሞንጎ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትርምፕን ጆ ባይደንን ዝግበር ንሕንሕ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 12 መዓልቲታት ይተርፎ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.