Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ትምህርቲ ሃገር ካብ ውድቀት ዝከላኸል ወለዶ ከፍርያ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲ ህንፀት ሃገር ዝኾና ትካላት ትምህርቲ ሃገር ካብ ውድቀት ዝከላኸል ወለዶ ከፍርያ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ምስ ትካላት ትምህርቲን ኣካላት ኣጋር ትምህርቲን ብምትሕብባር፣ ትካላት ትምህርቲ ኣብ ህንፀት ሃገር ከበርክተኦ ዝግባእ ግደ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ትካላት ትምህርቲ፣ ዝወፅእ ስርዓተ ትምህርቲ፣ መምህራንን ተምሃሮን ባህሊ ሃገሮም ኣፅፊፎም ዝተረድኡን ዝፈለጡዎ ድማ ብኣግባቡ ንተተካእቲ ወለዶ ዘመሓላልፉን ክኾኑ ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ሙሁራት መባእታዊ መፅናዕቲ ፅሑፍ ኣቕሪቦም ዘተ እናተገበረሎም ይርከብ።

ትካላት ትምህርቲን መምህራንን፥ ቤተሰብ ወሊዶም ዘረቡዎም ህፃናት ብምቕራፅ ንሃገር ዝረብሑ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎም እቶም ሙሁራት ገሊፆም።

ፍልፍል ሓበሬታን ምርድዳእን ዝኾነ ትምህርቲ፥ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ዓበይቲ ሃገራት ውሽጣዊ ስምዒት ማንነተን ብምጉልባት ኣብ ምኽንያታዊነት ዝተደረኸን ስልጡንን ማሕበረሰብ ናይ ምፍጣር ልኡኽቶ ክህልዎ ከምዝግባእን እውን ኣተሓሳሲቦም።

ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣብ ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ከድህብ ከምዝግበኦ ኢዮም እቶም ሙሁራት ዝሓበሩ።

ብሶዶ ለማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.