Fana: At a Speed of Life!

ትካል ምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ተዓዳዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ኣሜሪካ ዋጋ ዘለዎም 60 ሺሕን 825ን ቶን ፍሪያታት ከምዝተዓዳደገ ኣፍሊጡ።

እቲ ዕዳጋ ምህርቲ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ውሽጢ ዝተዓዳደጎም ፍሪያታት ቡን 36 ሚኢታዊ መጠን ዕድጊትን 50 ሚኢታዊ ዋጋ ዕድጊትን ብምምዝጋብ ቀዳማይ ብርኪ ምሓዙ ኣፍሊጡ።

ዕድጊት ቡን ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እንትነፃፀር ድማ 3 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ወፃኢ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ 5 ሺሕን 428ን ቶን ሓምለዋይ ማሽሩም ብብር 127 ሚሊየን ተዓዲጉ።

ብተወሳኺ 1 ሺሕን 83ን ቶን ዓይኒ ዓተር ብብር 16 ነጥቢ 18 ሚሊየን ተዓዲጉ።

ካብ ውሽጢ እቲ ዝተዓደገ፥ ዓይኒ ዓተር ጎጃም 67 ሚኢታዊ ብዓቐን ከምኡ እውን 71 ሚኢታዊ ብዋጋ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ኮይኑ።

ምህርቲ ኒሁግ ኣብ ዕዳጋ ምህርቲ ኢትዮጵያ ዓስራይ ፍሪያት ኮይኑ ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ዘመናዊ ስርዓት ዕድጊት ከምዝኣተወ እውን ተገሊፁ።

ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሳሪስ፣ ቡሬ፣ ነቀምት፣ ጎንደር፣ ኮምቦልቻ፣ አሶሳን ፓዊን ድማ ጨንፈራት መረከቢ ኒሁግ ምዃነን ተሓቢሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.