Fana: At a Speed of Life!

ነባርነቶም ኣብ ካናዳ ዝገበሩ ትዉልደ ኢትዮጵያ 9 ሚሊየን ብር ዘዉፅእ ናውቲ ሕክምና ንሆስፒታል ኮምቦልቻ ደገፍ ጌሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነባርነቶም ኣብ ካናዳ ዝገበሩ ትዉልደ ኢትዮጵያ 9 ሚሊየን ብር ዘዉፅእ ናውቲታት ሕክምና ንሆስፒታል ኮምቦልቻ ደገፍ ጌሮም።

እቲ ድጋፍ ዘበርከቱ ኣይተ ከበደ ሃ/ማርያን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝሓበርዎ፥ እቲ ናውቲ ሕክምና ምስ ስድራቤቶምን ኣዕርኽቶምን ብምዃን ከምዘተኣኻኸብዎ ገሊፆም።

ኣይተ ከበደ ቅድሚ ሐዚ ሓደ ኮንቴነር ናውቲ ሕክምና ነቲ ሆስፒታል ድጋፍ ዝገበሩ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዕንወት ድሕሪ ምብፅሑ እንትኾን፥ እቲ ሆስፒታል ካብ ዝበፅሖ ዕንወት ዳግማይ ንምጥያሽ ተወሳኺ ደገፍ ምግባሮም ሓቢሮም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ከበደ ይመር ብግደኦም፥ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ 800 ሚሊየን ብር እቲ ሆስፒታል ዕንወት ይብፃሓዮ እንበር ብድጋፍ መንግስትን ግዱሳት ዉልቀሰባትን ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል ብርኪ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ደገፍ ናውቲ በቲ ሆስፒታል ዝረአ ዝነበረ ክፍተት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝቐርፍ ምዃኑ ገሊፆም።

ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ወንደሰን ልሳነ ወርቅ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣፍታ ከተማ ዝርከቡ ዓበይቲ ትካላት መንግስቲን ዓበይቲ ፋብሪካታትን ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር ዕንወት ምብፅሑን ዘዘኻኸሩ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝግበር ደገፍ ካብ ዝበፅሖም ዕንወት ብምልቓቕ ናብ ስራሕ እናኣተዉ ምኻኖም ኣረዲኦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.