Fana: At a Speed of Life!

ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐርቡ መዓድናት 500 ሚሊየን ዶላር ንምርካብ ከምዝሃቀነ ሚኒስቴር መዓድን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድን ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐርቡ መዓድናት 500 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ከምዝሃቀነ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ መዓድን ሚሊየን ማቲዎስ÷ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝተዋፈሩ ኩባንያታት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ዓቕሚ ምልማዕ ኩባንያታት ንምድንፋዕ ሓገዝ ከምዝግበር ብምሕባር÷ መዓድናት ኢንዱስትሪ ሓዊሱ ኣብ ወፃኢ ንግዲ ስብጥር መዓድናት ንምውሳኽ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ኣለሻን ልምዓትን መዓድን ዝዋፈሩ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ቁፅሮም እናዓበየ ከምዝመፅአ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ንዓመታት ኣብ ኣለሻ መዓድን ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ኣለሻኦም ዛዚሞም ናብ ምልማዕ እታተሰጋገሩ ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም።

ኣብ መዓድናት ኒኬል፣ ኮፐር፣ ታንታለም፣ ሊቲየም፣ ፖታሺየምን ካለኦትን ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኣለሻ ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ እውን ምብረሆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.