Fana: At a Speed of Life!

ንምርግጋፅ ሰላም ክልል ኦሮሚያ ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርግጋፅ ሰላም ክልል ኦሮሚያ ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ  ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ሃይሉ ኣዱኛ፥ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ እምነት ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ሃገር ኢያ ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ክልል እውን ብማዕርነት ሃይማኖታት ዝኣምንን ኣፍልጦ ዝህብን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምፍራስ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ መስጅድ ዘነፃፀረ ዘይምዃኑ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዋ ኣስታት 600 ከተማታትዘይሕጋዊ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስራሕ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ሕጊ ምኽባር ዝበሃልዕ ብቀንዱ ዘይሕጋዊ ተግባር ብዘላቅነት ንምክልኻል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.