Fana: At a Speed of Life!

ንዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዝኸውን ዘበናዊ ዱኽዒ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዝኸውን ዘበናዊ ዱኽዒ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ከምዝተዛዘመ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮርፖሬሽን ናይ መወዳእታ ዝበሎ 500 ሺሕ ኩንታል ዩሪያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ንዘበነ ምህርቲ 2015/16 ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝተዓደገ 13 ሚሊየንን 975 ሺሕን 520 ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ተጓዓዒዙ ከምዝተዛዘመ ገሊፁ።

ኣብ ወደብ ካብ ዝበፅሐ እቲ 12 ሚሊየንን 603 ሺሕን 895 ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ኢትዮጵያ ብምጉዕዓዝ ንዩኔናት ሓረስቶት ይውዛዕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብ ወፃኢ ዓዲ ካብ መንጎ ዝተዓደገ ዘበናዊ ዱኽዒ፥ 2 ሚሊየንን 788 ሺሕን 940 ኩንታል ኤን ፒ ኤስ፣ 5 ሚሊየንን 686 ሺሕን 580 ኩንታል ኤን ፒ ኤስ ቦሮን፣  5 ሚሊየንን 500 ሺሕን ኩንታል ዩሪያ ኢዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.