Fana: At a Speed of Life!

ንድጎማ ተጠቀምቲ ተሽከርከርቲ 23 ነጥቢ 1 ቢለየን ብር ተኸፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንድጎማ ተጠቀምቲ ተሽከርከርቲ ልዕሊ 23 ነጥቢ 1 ቢለየን ብር ከምዝተኸፈለበዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016÷ ንመሸጣ ኮንትሮባንድ ነዳዲ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ብ65 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኸኣለ ገሊፁ፡፡

ካብ ዝተቐመጠ ኣሰራርሓ ወፃእ ግልጋሎት ኣብ ዘይህቡን ነዳዲ እንተይቀድሑ ክፍሊት ድጎማ ንዝጥቀሙ ተሽከርከርቲ ምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 5 መዕደሊ ነዳዲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እውን ሓቢሩ፡፡

ክሳብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ድማ ልዕሊ 23 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ንተጠቀምቲ ድጎማ ተሽከርከርቲ ከምዝተኸፈለ ሓበሬታ እቲ በዓል መዚ የመላኽት፡፡

በዚ መገዲ ልዕሊ 120 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎ ዕድጊት ነዳዲ ዝተፈፀመ እንትኸውን÷ ቁፅፅር ዝርገሐ ነዳዲ ንምዝማን ነዳዲ ዝፅዕና ተሽከርከርቲ ጂ ፒ ኤስ ክገጥማ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.