Fana: At a Speed of Life!

ንጉጅለ ህወሓት ዝተሰለፉ ኩሎም ኢዶም ብሰላም ንክህቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ፀዊዖም

ሰበር ዜና!
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር 2014 ዓ.ም፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ንጉጅለ ህወሓት ዝተሰለፉ ኩሎም ኢዶም ብሰላም ንክህቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።
ኣብ ግንባር ተረኺቦም ኣብቲ ናይ ፈለማ ግንባር ናይ መወዳእታ ዕድል ዝፈተንዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ዝሓፀረ እዋንን ብትሑት መስዋእትነትን፤ ዓወት ኢትዮጵያ ዝረጋገፀሉ መምርሒ ሂቦም።
እቲ ሰራዊት ብልዑል ሞራል ከምዝርከብን ፀላኢ እውን እናተሸነፈ ከምዝኾነን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገለፁ እንትኸውን፤ኣብ ትልሚ ምድንጋር ዝኣተወ ፀላኢ ተደናጊሩ ምውፃእ ከምዘይኽእል ተዛሪቦም።
ወለዲ እውን ደቆም ኣበይ በፂሖም ኢሎም ንክሓቱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
“ድልየት ኢትዮጵያ ሰላምን ልምዓትን እዩ። ናብዚ ኲናት ዝኣተና ተገዲድና ኢና። ተዓወትቲ ምዃንና ግና ኣይቐርን እዩ” ክብሉ ዓወት ኢትዮጵያ ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.