Fana: At a Speed of Life!

ን10 መራኸብቲ ሓፋሽ ኤሌክትሮኒክስ ፍቓድ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝመፅእ ሓዱሽ ዓመት ንዓሰርተ  መራኸብቲ ሓፋሽ ኤሌክትሮኒክስ ፍቓድ ከምዝወሃብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ዶክተር ጌታቸው ድንቁ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፍቓድ ካብ ሞንጎ ዝረኽቡ ኣካላት ብጨረታ ዝሰዓሩ ሰለስተ ጣቢያታት ራዲዮ ኤፍ ኤም ይርከቡዎም።

ብተወሳኺ መረዳእታ ኣማሊኦም ዝቐረቡ ፍቓድ ዝደሊዩ ጣቢያታት ሳትላይት ሽዑ ንሽዑ ክተኣናገዱ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ፍቓድ ድሌት ብዘጠዓዓምን ዘሎ ውሱን ሞገድ ኣየርን ኣብ ግምት ብምእታውን ዝወሃብ ከምዝኾነ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

ናይ ሕትመት መራኸብቲ ሓፋሽ ንምስፍሕፋሕ ድሌት መሰረት ዝገበረ ፍቓድ ንመሃብ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እውም ገሊፆም።

ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝረአ ዘሎ ግቡእ ዘይኮነ ኣካይዳ ብምህዳእ እቲ ዓውዲ ንቕድሚት ንኽጓዓዝ ብሓላፍነት መንፈስ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.