Fana: At a Speed of Life!

ን106 ላዕለዎት መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሹመት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣስታት 106 ንዝኾኑ ላዕለዎት መኮንናት ሎሚ መዓልቲ ሹመት ሂቡ።

እቲ ሹመት ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሜጀር ጄነራል ይልማ መርዳሳ ኢዮም ሂቦምዎ።

ምክትል ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ጄነራል ብርሃኑ ጁላ እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምፍራስ ዝፅዕሩ ብዙሓት ኣካላት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ጄነራል ብርሃኑ፥ እቲ ሰራዊት ግን እዚ ኹሉ ክኢሉ ንሰላም ሃገር ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፥ ካብ ሽመት ብተወሳኺ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስልጠና ዝፀንሑ ኣባላት ወታደራዊ ፖሊስ እቲ ሓይሊ ኣየር እውን ተመሪቖም ኢዮም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብልጫ ዝነበሮም ሰራሕተኛታት እውን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.