Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኖርዌይን ስምምሕነት ሓገዝ 25 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኖርዌይን ስምምሕነት ሓገዝ 273 ሚሊየን ክሮነር ኖርዌይ ወይ እውን (25 ሚሊየን ዶላር) ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ ስቴዬን ክርስቴንሰንን ምፍርራመን ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

148 ሚሊየን ክሮነር ኖርዌይ ዘካትት ስምምዕነት እንትኸውን÷ ናብ ስራሕ እንትእቶ እናተርኣየ ብመንግስቲ ኖርዌይ ከምዝልቀቕ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብመንግስቲ ኖርዌይ ዝተለቐቐ ሓገዝ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝግበር ጨፍጫፍ ደኒን ምዕራቕ ጫካን ንምግታእ ኢሉ እውን ምልቃቕ በካሊ ጋዝ ንምንካይ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ኢንቨስትመንት ዝተትሓዘ ሓገዝ ገንዘብ ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.