Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ተኸታታሊ ዘተ ንምግባር ኣብ ስምምዕነት በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምልኢት ማይን ዓመታዊ ኣሳድዳ ማይን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ሰለስተኣዊ ዘተ ተሳሊጡ።

ብብርኪ ሚኒስትራት ማይ ብመርበብ ሓበሬታ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ዝተሳለጠ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ብተዓዛቢነት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ።

እተን ሃገራት ኣብ ኣኼበአን፥ ስነ-ስርዓት ድርድር፣ ግደ ተዓዘብቲ፣ ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ድርድርን መዕልቦ ዘይረኸቡ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያትን ብዝምልከት ተዛቲዮም።

ብተወሳኺ ኩለን ሃገራት ዋናዋና ጉዳያት ድርድር ኢዮም ዝበለኦም ሓሳባት ብዝርዝር ኣቕሪበን ኢየን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ተኸታተልቲ ዘተታት ንምግባር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ይኹን እምበር ግደ ተዓዘብቲ እንታይ ይምሰል ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ ስምምዕነት ዘይተበፅሐ እንኸውን፥ እቲ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲ እውን ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ሰለስቲአን ሃገራት ዝገብረኦ ድርድር ኣብ ፈላማይ ኣመላልኣን ዓመታዊ ኣላቕቓን ማይ ጥራሕ ዝተደረተ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣፈላላያት ብድርድር ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ከም ኩሉ ግዘ ድልውቲ ከምዝኾነት እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.