Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብውሕጅ ንዝተጎድኡ ሶማሊያውያን ሕገዝ መድሓኒት ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ብውሕጅ ንዝተጎድኡ ሶማሊያውያን ሕገዝ መድሓኒት ገይራ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዛሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶማሊያ ክልል ሂር ሸባሌ ከባቢ በለደወይን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ሶማሊያውያን ኢያ ህፁፅ ርዳእታ ዝህቡ ሓኻይምን ሓገዝ 10 ቶን መድሓኒትን ክትገብር ዝኸኣለት።

እቲ ሓገዝ፥ ፍሉይ ኣምባሳደር ፌዴሬኢ ኣብ ሶማሊያ ኣምባሳደር ጀማሉዲን ሙስጦፋ ንኣመሓዳሪ ዞባ በለደወይን ኣረኪቦም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ድማ፥ ፕሬዚዳንት ክልል ሸባሌ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ እቲ ክልልን ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣሚሶም ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ተረኺቦም።

ኣምባሳደር ጀማሉዲን ሙስጦፋ፥ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢታት ሶማሊያ ብምዃን ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።

  

ፕሬዚዳንት ክልል ሂር ሸባሌ ሙሓመድ ኣብዲ ዋሬ፥ ብኢትዮጵያ ንዝተገበረሎም ህፁፅ ሓገዝ ከምኢ እውን ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣሚሶም ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፀፅታን ሰላምን እቲ ክልል ካብ ምሕላ ሓሊፉ፤ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ሶማሊያውያን ንምድሓን ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.