Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ዝበረታታዕ ውፅኢት እናመዝገበት ትርከብ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ፍሉይ ጠመተ ብመሃብ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናመዝገበት ከምትርከብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ዘድሀበ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ጥዕናን ናይ ብዙሓት ሃገራት ተነራመርቲ ዓውዲ ጥዕናን ተረኺቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ምጥንኻር ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ወሳኒ ተግባር ኢዩ።

ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ገፀር ክፋል እታ ሃገር ብስፍሓት ተበፃሒ እናገበረት ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ብዕዙዝ ምትሕብባር ፖለቲካዊ ቆራፅነት መንግስቲ፣ ብሰብ ሞያ ጥዕናን መሓዙት ኣካላትን፤ ኣብ ክንክን ጥዕና ኣዴታታን ህፃናትን ልዑል ውፅኢት እናተመዘገበ ምዃኑ ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ንመርሃ ግብሪ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ዝሃበቶ ትኹት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ኩለመዳይ ስርዓት ጥዕናኣ ኣጠናኺራ ንኽትቅፅል ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝ ምግባሩ ከምዘጠናኽር እውን ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን÷ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ፀገማት ምኽክር ብምግባር መፍትሒ ኣንፈት ንምቕማጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና እናሀበቶ ትርከብ ትኹረት ብኣንፃራዊነት ጥንኩር ከምዝኾነን ኣብቲ ጉባኤ ልምዳ ንካልኦት ሃገራት ከምተካፍልን ኣብሪሀን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.