Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤግዚቢሽን ቡን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ከተማ ሃንጆ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤግዚቢሽን ቡን ትሳተፍ ኣላ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 21 መስከረም ክሳብ 10 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዝካየድ “ኮፊ መንዝ ኦፍ ኤዥያ ጌም፣ ሃንጆ” ዝተብሃለ ዓውደ ምርኢት ቡን፤ ናይ መጀመርታ ክልተ መዓልቲታት “መዓልቲ ፕሮሞሽን ቡን ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ብመሰረት ዝተሰየመሉ ተሳትፎ ገይሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ቻይና ብፍላይ ብወገን መናእሰይ እወሰኸ ዝመፅአ ጠለብ ቡን ስዒቡ ቡን ዘብቁላ ሃገራት ዓይነት ቡነ ንምፍላጥ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብምዃኑ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ሓዊሱ ኢትዮጵያውያን ለኣኽቲ ቡን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ኢትዮጵያን ቡን ንቻይናውያን ፈተውቲ ቡን፣ ንወነንቲ ካፌንኣብ ኣታዊ ንግዲ ቡን ዝተዋፈሩ ትካላትን ብምፍላጥን ኣብ ፓናል ዘተ ብምስታፍን ንዝተልዓሉ ጉዳያ መብርሂ ተዋሂቡ።

#Ethiopia #Ethiopian Coffee

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.