Fana: At a Speed of Life!

ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፊልትማን ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ብወገን ኢትዮጵያ ተደራደርቲ ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ተረኺቦም።

ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ሀንፀት እቲ ግድብን ሰለስቲኣዊ ድርድርን ብዝምልከት ኢንጂነር ስለሺ መብርሂ ሂቦም።

ጄፍሪ ፊልትማን ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም፥ ኣብ ግብፂ፣ ኤርትራን ሱዳንን ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ጉዳያት ምዝታዮም ዝዝከር ኢዩ።

ክሳብ 5 ጉንቦት ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝህልዎም ፃንሒት ብተወሳኺ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ከምኡውን ምስ ኣመራርሓ ፖለቲካን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዘን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዑደት እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዘለዉወን ፀገማት ፖለቲካ፣ ፀፅታን ሰብኣዊን ብዴፕሎማሲያዊ መገዲ ንክፈትሓ ዘለዋ ቁርፀኝነት ንምርግጋፅን ኣብቲ ቀጠና ዘለዋ ምትሕብባር ፖሊሲ ናይ ምጥንኻር ዕላማ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ጄፍሪ ፊልትማን ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብምዃን ምሿሞም ይዝከር።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.