Fana: At a Speed of Life!

ኣመሪካ ንኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኵድስ እናተብሃለ ንዝፅዋዕ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ብላዕላዋይነት ዝመርሕ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ብኣመሪካ ከምዝተቐትለ መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዒራቕ ዝተቐትለ ጀነራል፥ ኣብ ኢራን ዓብይ ፅልዋ ዝነበሮ ወሳኒ ሰብ እዩ።

እቲ ጀነራል ካብ ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ብዝተውሃበ ትእዛዝ ከምዝተቐትለ ኣመሪካ ኣረጋጊፃ።

እቲ ጀነራል ብኢራን ምስ ዝድገፉ ዕጡቓት ኮይኑ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ባግዳድ ብመኪና እናተጉዓዘ እንከሎ እዩ ብመጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ፥ “ሓደገኛን ዕሽነት ዝተመልኦን” ክብል ነቲ ፍፃመ ነቒፍዎ።

ጀነራል ሶሌማን ኣብ መንግስቲ ኢራን ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦን ከም ሃገራዊ ጀግና ዝረኣይን ወሳኒ ሰብ እዩ ነይሩ።

እቶም ንሱ ዝመርሖም ፍሉያት ሓይልታት ኵድስ፥ ተፀዋዕነቶም ብቐጥታ ንልዑል መራሒ ኣያቶላሕ ዓሊ እዩ።

እቲ ዜና ምስተነገረ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምስሊ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዖም።

ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ብ4 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ይግለፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.