Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ኦፌኮ ኣይተ በቀለ ገርባን ኣይተ ጃዋር መሓመድን ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ ኣስከሬን ብምምንዛዕን ሁውከት ብምፍጣርን ዝተጠርጠሩ ኣይተ በቀለ ገርባን ኣይተ ጃዋር መሓመድን ሓዊሱ ካልኦት ውልቀ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ልደታ ምድብ ቀዳማይ ቤት ፍርዲን ኣራዳ ምድብ ተረኛ ችሎት ገበንን ኢዮም ቀሪቦም።

ምስ ጉዳይ እኒ ኣይተ በቀለ ገርባ ብዝተተሓሓዘ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ኣራዳ ተረኛ ችሎት ገበን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ ጊዜ ምርመራ ክወሃብ ይግበኦ ኣይግበኦን ኣብ ዝብል ትእዛዝ ንምሃብ ብመሰረት ንሎሚ መዓልቲ 9 ሓምለ 2012 ዓ.ም ዝሃቦ ተለዋጢ ቆፀሮ ኢዮም ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ 6 ሓምለ 2012 ዓ.ም ምስ ኣቶ በቀለ ገርባ ብዝተተሓሓዘ መርማሪ ፖሊስ ተጠርጣሪ ቅድሚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ስልኪ ብምድዋል ናዕቢ ንኽፍጠርን ኣብ ነበርቲ ስጉምቲ ንኽውሰድን ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ እውን ጥቕዓት ንኽፍፀም ትእዛዝ ዘመሓላለፉሉ ልውውጥ-ስልኪ ብመልክዕ መረዳእታ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ካብኡ ሓሊፉ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣይተ በቀለ ገርባ ብዝገበሮ ተፍትሽ ክልተ ሽጉጣት ምርካቡን ሕጋዊ ፍቓድ ይሃልዎን ኣይሃልዎን ገና እናፃረየ ምዃኑን መርማሪ ፖሊስ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ኣይተ በቀለ ገርባ ምስቲ ዝብሃል ዘሎ ጉዳይ ርክብ የብለይን ሓዘን ንምብፃሕ ናብ (ኣሽዋ ሜዳ) እንትኸይድ መገዲ ብምዕፃው እየ ዝተመለስኩን ናብ ኦሮሞ ባህሊ ማዕኸል ዝኸድኩን እንተበሉ እውን መርማሪ ፖሊስ ግን ኣስከሬን ብሓይሊ መንዚዖም መስቀል ኣደባባይ ን10 መዓልትታት ኣፅኒሖም ህዝቢ ንኽበክን ናዕቢ ንምፍጣርን ዓሊሞም ዝፈፀምዎ ምዃኖም ኣብ መልሱ ጠቒሱ እዩ።

ምስ ክልቲኦም ደቂ ኣይተ በቀለ ገርባ ዝተትሓሓዘ መርማሪ ፖሊስ ናይ ኣቡኦም ትእዛዝ ተቐቢሎም ናዕቢ ክፈጥሩ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓልኩዎም ዝበለ እንትኾን፥ ጠበቓታቶም ድማ ሓዘን ንምብፃሕ እንትኸዱ ምስ ኣቡኦም ስለ ዝተረኸቡ ጥራሕ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ክብሉ ኣረዲኦም።

ብኤግዚብትነት ካብ ዝተትሓዙ ንዋታት ውሽጢ ናብ መረዳእታ ዝቕየሩ ጉዳያት ንምምርማር ጊዜ ከምዘድሊዮ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ መርመርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባትን ንብረታትን መጠን ጉድኣቶም ንምምርማርን መረዳእታ ንምእካብን ብምኻዶም ንሳቶም ሒዘሙዎ ዝምለሱን ካልኦት መረዳእታታት ንምእካብን 14 ተወሰኽቲ መዓልታት ቆፀሮ ምርመራ ይወሃበኒ ክብል መርማሪ ፖሊስ ምሕታቱ ይዝከር።

እቲ ጉዳይ ዝረኣየ ችሎት መቃወሚ ተጠርጠርቲ ብምስማዕ ተወሳኺ ጊዜ ምርመራ ክወሃብ ይግባእ ኣይግባእን ኣብ ዝብል ትእዛዝ ንምሃብ ን9 ሓምለ 2012 ዓ.ም ተወሳኺ ቆፀሮ ምሃቡ ይፍለጥ።

ብታሪከ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.