Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንታይዋን ጦር መሳርሒታት ክትሸይጥ ኣይግባእን ክትብል ቻይና ተቓዊማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንታይዋን ጦር መሳርሒታት ክትሸይጥ ኣይግባእን ክትብል ቻይና ብፅኑዕ ተቓዊማ።

ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናይ 619 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ጦር መሳርሒታት ንታይዋን ንምሻጥ ምፅዳቕ ይዝከር፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚስቴር ምክልኻል ቻይና ታን ኬፌይ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣሜሪካ ምስ ታይዋን ዘለዋ ወታደራዊ ርክብ ብህፁፅ ጠጠው ንኽተብል ኣተሓሳሲቦም፡፡

ጉዳይ ቻይናን ታይዋንን ውሽጣዊ ጉዳይ ብምዃኑ÷ ኣሜሪካ ኢዳ ብምእታው ወጥሪ ካብ ምብእኣስ ንኽትቁጠብ ሓቲቶም፡፡

ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ መምርሒ ሓንቲ ቻይና ዝጥሕስን ሰለስቲኦም ድንጋገታት ሓበራዊ ርክብ ቻይና-ኣሜሪካ ዘየገናዘበ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ጦር ቻይና ዝኾነ ይኹ ትንኮያ ንምምካት ድልው ከምዝኾነ ምርግጋፆም ብምፅራሕ ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.