Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንግብፂ ዝኸውን ናይ 197 ሚሊየን ዶላር መሳርሒታት ኲናት ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣሜሪካ ንግብፂ ዝኸውን ናይ 197 ሚሊየን ዶላር መሳርሒታት ኲናት ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር 168 ሓፂር ርሕቐት ተወንጫፊ ሚሳኤላት ንግብፂ ንምሻጥ ኢዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ዘሎ፡፡

ምፅዳቕ እቲ መሸጣ ኣፅዋር፥ ግብፂ ምስ ዝለዓሉዋ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ ተቓውሞ ገጢሙዎ፡፡

ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብግድኡ፥ ግብፂ እቲ ዕድጊት ኣፅዋር ዝፈፀመቶ ኣብ ከባቢታት ገማግም ባሕሪታትን ቀይሕ ባሕሪን ዘሎ ሓይሊ ምክልኻላ ንምጥንኻር ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣሜሪካ ምስ ግብፂ ዝህልዋ ስትራቴጂካዊ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጡ፡፡

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.