Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ክትባት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ብብርኪ ፈተነ ምሃብ ክትጅምር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ክትባት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ብብርኪ ፈተነ ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ከምትጅምር ኣፍሊጣ።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሎሚ መዓቲ ዝወሃብ ክትባት ኣብ 45 ፍቓደኛ ሰባት ከምዝግበርን እቲ ክትባት ድማ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ጉድኣት ከምዘየብፅሕን ኣብሪሆም።

እቲ ምርምር ዓበይቲ ትካላት ጥዕኛ እታ ሃገር ምለት እውን ብሄራዊ ትካል ጥዕኛ ኣሜሪካ፣ ዋሽንግተን ሄልዝ ሪሰርች ኢንስቲትዩት፣ ኤን ኣይ ኤች ኤንድ ሞደረና ኢንክን ካልኦትን ብሓባር ኮይኖም እናካይዱዎ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ክትባት መከላኸሊ መድሓኒት ናይቲ ቫይረስ ንምርካብ ልዑል ፃዕሪ እናገበራ ኣብ ዝርከባሉ እዋን፥ ኣሜሪካ ናብ መረጋገፂ ፈተነ ተሰጋጊራ ኣላ።

እቲ ክትባት ቫይረስ ኮሮና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘላቒ ንኽኸውን ልዑል ፃዕሪ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

ሰብ ሞያታት ጥዕና እታ ሃገር ግን ብውፂኢት እቲ ምርም ዕግበት ከምዘይተሰመዖም እናገለፁ ይርከቡ።

ንቫይረስ ኮሮና(ኮቪድ-19) ውፂኢታዊ መከላኸሊ ክትቫት ብፅሬትን ብብዝሒን ኣፍሪኻ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምቕራብ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሓደ ዓመት መንፈቕን ግዘ ከምዝሓትት ገሊፆም።

ኢኖቪዮ ፋርማሲቲዩካልስ ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዘውፀኦ ተመሳሳሊ ዜና፥ እቲ ትካል ብውልቁ ኣብ ቻይናን ደቡብ ኮሪያን ምርምር እናካየደ ምፅንሑን ፃዕሩ ኣወንታዊ ውፅኢት ክረክብ ምኽኣሉን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ፈተነ ከምዝገብር ገሊፁ።

ፍልፍል፦ ኤቢሲ ኒውስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.