Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሙሉ ሰሎሞን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ጀርመንን ፖላንድን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ሙሉ ሰሎሞን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ጀርመንን ፖላንድን ተዛቲየን።

እተን ኣምባሳደር፥ ምስ ዳይሬክተር ሰብሰሃራን ኣፍሪካን ሳሄልን ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን አምባሳደር ሮበርት ዶግለር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ጉዳያትን ብስልኪ ተዛቲየን፡፡

ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ጀርመንን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ እውን እቶም ኣማባሳደራት ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ሙሉ ብተወሳኺ ምስ ሓላፊ ፕሮግራም ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ኣብ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ጉዳያት ፖላንድ ዶክተር ካሮል ዋሲለውስኪ ተዛቲየን ኢየን፡፡

ብቪዲዮ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ፥ ኣምባሳደር ሙሉ ሰሎሞን ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት፣ ከይዲን እዋናዊ ኩነታትን ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝምልከት መብርሂ ሂበንኦም፡፡

ዶክተር ካሮል ዋሲለውስኪ ብግደኦም፥ ስለዝተገበረሎም መብርሂ ብምምስጋን ትካሎም ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.