Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ነቢል ማህዲ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣንን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን የኢትዮጵያ ልዩ መልዕክተኛና ባለሙሉ ስልጣን አምባሳደር ነቢል ማህዲ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሬቤካ ኒያንዴንግ ዲማቢዮር ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ነቢል ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ከምኡ እውን እዋናዊ ኩነታት ትግራይን ዝቕፅል ሃገራዊ ጉዳይን ኣመልኪቶም ነቶም ፕሬዚዳንት ገለፃ ገይሮምለን።

እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ብግደአን፥ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ዘበን ዘይስዕሮ ውዕለታ ከምዝወዓሉ ገሊፀን፡፡

ደቡብ ሱዳን ግድብ ህዳሰ እንትዛዘም ምስ ኢትዮጵያ ዝዋሰና ሰለስተ ክልልላት ተረባሕቲ ንምግባር ትልሚ ከምዘለዋ እውን ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዘሎ ውጥጥ ዶብ ብልዝብ ምፍታሕ ዝግበኦ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ምክትል ፕሬዚዳንት፥ ሃገረን እቲ ፀገም ብልዝብ ንኽፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.