Fana: At a Speed of Life!

ኣቡበከር ናስር ክብረወሰን ኮኾብ መቑፀራይ ሽቶ  ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ሰይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣቡበከር ናስር ክብረወሰን ኮኾብ መቑፀራይ ሽቶ  ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ሰይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጋንታታት ሲዳማ ቡናን ኢትዮጵያ ቡናን፥ ኣቡበከር ናስር ኣብ መበል 9ይ፣ 36ን 90ን ደቒቕ ሽቶ ብምምዝጋብ ኣብ ሓደ ናይ ውድድር ዓመት 27 ሽቶታት ከመዝግብ ክኢሉ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ 2009 ዓ.ም ብጌታነህ ከበደ ተታሒዙ ዝነበረ ኣብ ሓደ ናይ ውድድር ዘበን ብዙሕ ሽቶ ናይ ምምዝጋብ ሪከርድ ከመሓይሽ ምኽኣሉ ካብ ሶከር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ጋንታታት ሲደዳማ ቡናን ኢትዮጵያ ቡናን 3 ን 3 ብዝኾ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.