Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕድሳት ቤት ማዘጋጃ ኣዲስ ኣበባን ፕሮጀክት 00 ዓድዋን ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ሕድሳት ቤት ማዘጋጃ ኣዲስ ኣበባን ፕሮጀክት 00 ዓድዋን ዑደት ኣሳሊጦም።

ነቶም ፕሮጀክቲታት ዝመርሓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ንምንቅስቓስ ለውጢ እታ ከተማ ሓዊሱ ብብርኪ ሃገር ጉዕዞ ብልፅግና ንምስላጥ ብሓሳብን ብኣወሃህባ ኣመራርሓ ተግባርን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኩሎም መዳያት እንገብሮም ስራሕቲ ልምዓት እናተኸታተለ ንክድግፈና ክነስተኻኽል ዝግብኡና ጉዳያት ብምሕባር ግደኡ ንኽዋፃእ ንሓትት ኢለን።

“ኢትዮጵያ ክትምዕብል እያ” እንትንብል በዞም ጭቡጣት ስራሕቲ ልምዓት እዩ ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች፥ ኣርሒቕኻ ምትላም  ዝብል ስያመ ዝሃብናዮ ካብ ቤት ማዘጋጃ ክሳብ ለገሃር ዘሎ ስራሕቲ ፅባቐ ጎዳና ብቐሊሉ እንጓዓዘሉ ሓዱሽ ምስሊ ከርኢ ተገይሩ ዝተሃነፀ እዩ ኢለን።

ታሪኽ ዓድዋ ኣብዚ ቦታ ህያው ኮይኑ ደው ንክብል ነቲ ገድሊ ህያው ገይሮም ዘርእዩ መረዳእታታት ምሁራን እቲ ዘፈር እናተኣኻኸቡ ከምዝርከቡን ዲዛይን እቲ ፓርኪ ኣያታትና ንዓቐብ ደይብ እምባ ዓድዋ ንከርኢ ተገይሩ እናተሃነፀ ከምዘሎ ምብራሀን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.