Fana: At a Speed of Life!

ኣብቲ በጀት ዓመት ክትትልክትትል ካብ ዝግበረሎም ፍርያታት 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ተሓሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ክትትልክትትል ካብ ዝግበረሎም ፍርያታት 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ከምዝተሓሰበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ መስፍን ኣበበ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ እቲ ሚኒስቴር ክትትል ካብ ዝገብረሎም ፍርያታት ቅብኣተን ጥረምረን፣ ቀወምቲ እንስሳት፣ ጫት ከምኡ እውን መኖ እንስሳት 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ከምዝሓሰበ ገሊፆም፡፡

እዞም ፍርያታት ብመጠንን ጥሬጽን ፈርዮም ንኽለኣኹ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ናይ ቅብኣት እኽሊ ዝልእኹ ንምብርትታዕ ኣብ ከባቢ ፍርያት ዕዳጋ ዘሎ ዕድጊት ብኦንላይን ንኽኸውን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.