Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝወቕዐ ዝናብ ንምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣምበጣ ዓቢዪ ምኽያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ – ፋኦ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያን ሰሜናዊ ኬንያን ኣብዚ ሰሙን ዝወቕዐ ቀሊልን ማእኸላይን ዝናብ ንምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ዓቢዪ ምኽያት ክኸውን ከምዝኽእል ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም /ፋኦ/ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ከምዝገለፆ መጠን እቲ ዝናብ ትሑት ምዃንን እቲ ዕስለ ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ብምጥንኻሩን ዝኸፍአ ሓደጋ ኣይኸውንን፡፡

ክልቲአን ሃገራት ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ምክልኻል ፅቡቕ ውፅኢት ምምዝጋበን እውን እቲ ትካል ገሊፁ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ዝጫጭሑ ኣምበጣታት ከምዝተረኣዩ ተፀብፂቡ፡፡

ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ሓጓፍ ሽንጥሮ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ ኢዩ፡፡

ኣብ ኬንያ ብሶማሊያ ኣቢሉ ዝመፅእ ዕስለ ዘቋረፀ ይኹ እምበር ትሑት መጠን ዘለዎ ዕስለ ከምዘሎ ፋኦ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ኩነታት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ከምዝፍለ ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ከይዲ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ እናተጠናኸረ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.