Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ በጀት ዓመት 220 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይል ንምፍልፋል ምህቃኑ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ጢስ ኣባይ 2 ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 220 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይል ንምፍልፋል ምህቃኑ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ጢስ ኣባይ 2 ገሊፁ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ጣቢያ ደጀኔ ጉታ÷ እቲ ትልሚ ንምዕዋትን ስራሕቲ ኦፕሬሽን ዘተኣማምን ንምግባርን ስሩዕን ሃንደበታዊን ስራሕቲ ፅገና እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

“ኣብ እዋን ክረምቲ ዝፍጠር ልዑል መጠን ማይ ብምጥቃም ተርባይናት ብሙሉእ ዓቕሞም ንኽርሑ ስለዝተበረ፤ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሒ ዝተርኣየ ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ በጀት ዓመት ምዕዋት ከምዝከኣል ኣመላኺቱ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ጢስ ኣባይ÷ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 157 ነጥቢ 8 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ንምፍልፋል ሃቂኑ 182 ነጥ 3 ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ከምዝኸኣለ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.