Fana: At a Speed of Life!

ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ኣብ ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ኣብ ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ ዘተ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ትምህርቲን ካልኦት ሚኒስትራትን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ዘተ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ኣብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ፣ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይን 12ን ክፍሊ፣ ከይዲ ኣወሃህባ ትምህርቲ ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ምስ ኩሎም ሓለፍቲ ቢሮ ክልላት ዘተ ከምዝተኻየደን እቲ ውሳነ ሓሳብ ከምዝቐረበን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ከይዲ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙር ንኽካየድ ዝብል ምክረ ሓሳብ ቀሪቡ።

ቀዳማይ ዙር፥ ኣብ ገፀር ወረዳታትን ጣቢያታትን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 9 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንክጅምራ ዝብል ምክረ ሓሳብ ቀሪቡ።

ካልኣይ ዙር ድማ ኣብ ኩሎም ዞባታትን ከተማታት ክልላትን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 16 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንክጅምራ ዝብል ውሳነ ምክረ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍንፍኔ ዙሪያን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንክጅምራ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዘለዉ ብሄራዊ ፈተና ዝወስዱ ሻምናይን 12 ክፍሊን ድማ ኩሎም ፈተና ክፍተኑ ከምዝግባእ ዝብል ውሳነ ምክረ ሓሳብ ቀሪቡ።

ብመሰረት እዚ ሻምናይ ክፍሊ 22ን 23ን ሕዳር 2013 ዓ.ም ብሄራዊ ፈተና ዝወሃብ እንትኸውን፥ እቲ ፈተና ክፍተኑ ዝኽእሉ ሻውዓይ ክፍሊ ዝተምሃሩን ቀዳማይ ሰሚስቴር ሻምናይ ክፍሊ ዝተኸታተሉን ጥራሕ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ብሔራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ምፍታን ዝኽእሉ ትምህርቲ 11 ክፍሊ ዝተምሃሩን ቀዳማይ ሰሚስቴር 12 ክፍሊ ዝተምሃሩን ጥራሕ ኢዮም ተባሂሉ።

ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 28 ሕዳር ክሳብ 01 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ንክወሃብ ዝብል ምክረ ሓሳብ ቀሪቡ።

እቲ ዝቐረበ ውሳነ ምክረ ሓሳብ መሰረት ብምግባር እቲ መድረኽ ዘተ ይቕፅል ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.