Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኬንያ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኬንያ ኣብ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ኬንያ ከምዝገለፆ፥ እቲ ቫይረስ ካብ ህዝቢ ብዝተወሰደ ጥማዕ ደም ኢዩ ተረኺቡ፡፡

እቲ ምርመራ ናብ ህንዲ ዝግበር በረራ ቅድሚ ምእጋዱ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሓሙሽተ ሰባት፥ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ መዳበሪያ ዝሰርሑ ሰባት ኢዮም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኬንያ ካብ ኡጋንዳ ቀፂላ ኣብ ህንዲ ዝተርኣየ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸበላ ካልአይቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ኮይና፡፡

ህንዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ዘስካሕኽሕ ዝበሃል ማዕበል ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ዘጋጠማ እንትትከውን፥ በቢመዓልቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት በቲ ፋይረስ ከምዝተሓዙን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም እናሃለፈን ይርከብ፡፡

ኬንያ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ህንዲ ዝግበሩ በረራታት ንግዚኡ ምእጋዳ ይዝከር፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.