Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝካየድ ዝኾነ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣሜሪካ “የለኹሉን” ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣሜሪካ ከምዘይትሳተፍ ንእስራኤል ከምዘጠንቀቐት ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ምሸት ቀዳም ለይቲ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኢራን ናብ እስራኤል ከምዝተተኮሱ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ነቲ ብ1 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም.ፈ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምላሽ ከምዝኾነ ኢራን ኣፍሊጣ።

ዳርጋ ኹሉ ኣፅዋር ኣብ ዕላማኡ ቅድሚ ምብፅሑ ብሓይልታት እስራኤል፣ ኣሜሪካን መሻርኽታን ክመክን ተገይሩ’ሎ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ እስራኤል ንእትወስዶ ግብረ-መልሲ “ብጥንቃቐ” ክትሓስበሉ ከምዝተማሕፀኑ ተገሊፁ።

ባይደን ንቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፥ ነቲ ዝተፈፀመ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከመይ ግብረመልሲ ከምዝህቡሉ “ኣዝዩ ብጥንቃቐን ብስትራተጂያዊ ኣገባብን ክሓስብሉ” ከምዝግባእ ተዛሪቦም ከም ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ።

ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ካብ ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክሩዝ ሚሳይላትን እቶም ኣስታት 99 ሚእታዊት ተወቒዖም ዝወደቝ ወይ ዝተኣጓጐሉ እዮም።

እዚ ድማ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ምልክት ወተሃደራዊ ልዕልና እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘርኢ ምዃኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.