Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መከፋፈሊ ነዳዲ ዝረኣዩ ሪጋታት ንምትራፍ ይራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣባባ፣ 4 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ መከፋፈሊ ነዳዲ ዝረኣዩ ሪጋታት ንምትራፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ዝርከቡ መከፋፈሊ ነዳዲ እናተፈጠሩ ዝርከቡ ሪጋታት ኣመልኪቱ ምስ በዓል መዚ ምቁፅፃር ቀረብን ዝርገሐን ነዳዲን ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ምስ ማሕበራት ኩባኒያ ነዳዲ ተዛቲዩ፡፡

ሚኒስትር ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብቲ ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኣወዳድባ እቲ ሴክተር፣ መሰረተ ምዓት፣ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምፍታሽ ክስተኻኸሉ ዝግበኦም መምርሒታትን ደምቢታትን መበገሲ ብምግባር መፅናዕቲታት እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡

እቶም መፅናዕቲታት መሰረት ብምግባር እውን ካብ ስርዓት ዕድጊት ክሳብ መወዳእታ ተጠቀምቲ ዘሎ ፅሬት ቀረብን ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማትን ብዘላቒ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ፀገም ተሸከርከርቲ ንምፍታሕ እኹላት ተሸከርከርቲ ንምእታው እናሰርሐ ይርከብ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ስራሕ ዝርከባ ተሸከርከርቲ ብግቡእ ምጥቃምን ክትትል ምግባር ዝከኣለሉ መገዲ ምትዕርራይ ከምዝግባእን ኣገንዚቦም፡፡

ይኹን እምበር ሓደሓደ ኣከፋፈልቲ ነዳዲን ተጠቀምቲ ሕፅረት ነዳዲ ንኽፍጠር ዝገብር ተግባር እናሰርሑ ከምዝኾኑን ኣብ ቀፃሊ ስርዓት ቁፅፅር ብምዕባይ ናብ ተግባር ስለዝእቶ መከፋፈልቲ ነዳዲ ካብ መሰል ተግባራት ክቑጠቡን ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.