Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞዛምቢክ ካብ እሱር ዝተፈትሑ 32 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ እሱር ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያውያን ተፈቲሖም ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶሪያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ንስራሕቲ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ትኹት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነን በዚ ድማ ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ናብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተጓዓዙ ብኣካላት ፀፅታ ሞዛምቢክ ንማእሰርቲ ዝተቓልዑ 32 ኢትዮጵያውያን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰት ኣብ ሞዛምቢክን ብምዝርራብ ከምዘፍተሖም ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዚምባብዌ፣ ኣብ ዛምቢያ ከምኡ እውን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ክፍትሑ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰትን ቅድመ ምፅራይን ስራሕቲ ምድላው ሰነድ ጉዕዞን እናሰርሐ ከምዝኾ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.