Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ርብዒ ዓመት ዝረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ንምግባርን ክፍተታን ንምስትኽኻልን ርብርብ ምግባር ይግባእ – ዶ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ርብዒ ዓመት ዝረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ንምግባርን ክፍተታ ኣብ ሓፂር እዋን ንምስትኽኻልን ዝተዋደደ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር፤ ኣሰፃፅማ ትልሚ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ከምዝገምገመ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ግምገማ ድማ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሴክተር ቤት ዕዮታት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ምዕዛቦም ገሊፆም።

“ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ ክልል ኣመልኪቱ ዝተገበረ ገምጋም፤ ዓወታት ንምስፋሕን ዘጋጠሙ ፀገማት ብምፍላይ ንመፍትሒ ንምስንዳእ ዕድል ዝሃበ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ብኹሎም ዓውዲታት ጭቡጥ ውፅኢት ምምዝጋብ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ብምዃኑ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ርብዒ ዓመት ዝረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ንምግባርን ክፍተታት ኣብ ሓፂር እዋን ንምስትኽኻልን ዝተዋደደ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.