Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ሰለማዊ መዕለቢ ንክረክብ ዝፀደቐ “ምኽረ ሓሳብ” መንግስቲ ንሰላማዊ ኣማራፂ ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘረጋገፀ ኢዩ- ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ሰለማዊ መዕለቢ ንክረክብ ዝፀደቐ “ምኽረ ሓሳብ” መንግስቲ ንሰላማዊ ኣማራፂ ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘረጋገፀ ኢዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታርያት  ቤት ሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰቴር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

እተን ሓላፊት ሎሚ መዓልቲ ንዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ ኢየን ነዚ ተዛሪበን።

እቲ ስምምዕነት ተዂሲ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ንክግበር፣ ዘተ ሰላም ከምኡውን ካልኦት ጉዳያት ድማ ብብሄራዊ ዘተ ንክድህሰሱ ንምግባር ዘኽአል ረቂቕ ሰነድ ዕላዊ ከምዝተገበረ ሓቢረን።

እቲ ብዓብዪ ኮሚቴ ዝፀደቐ ሰነድ መንግስቲ ንሰላማዊ ኣማራፂ ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘረጋገፀ ኢዩ ኢለን።

ንዘተ ሰላም ምንም ዓይነት ቅድመ ኩነት ኣየድልዮን ብምባል፥ ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ተኣሲሩ ክቕፅል ኣይብሉን ኢለን።

ህወሓት ድልየቱ ንምምላእ ኣብ ትግራይ ብተኸታታሊ ኣማራፅታት ሓይሊ ይጥቀም ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኲናት ብምጥቃም ጨፍጫፍ ከምዝፍፅም ኣረዲአን።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣከቦ ሸርፊ ወፃኢ፣ ንመሐለውታ ዝተቐመጠ ነዳዲ፣ ምግብን ወዘተ ነቲ እኩይ ተግባሩ ይጥቀም ምህላዉ ተዛሪበን።

መንግስቲ ነዚ ኹሉ እኩይ ተግባራት ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ብትዕግስቲ ይርእዮ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.