Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዕዙዝ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስኮትላንድ ግላስኮው ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዕዙዝ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ፣ ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዳዊት ኣስፋው፣ ኣመራርሓ እቲ ፌዴሬሽንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ኣብቲ ውድድር ብ13 ኣትሌታት ዝተወከለት ኢትዮጵያ÷ ብክልተ ወርቂ፣ ሓደ ብሩርን ሓደ ነሓስን ብሓፈሻ ኣርባዕተ ሜዳሊያታት ብምርካብ ካብ ዓለም ሓምሸይቲ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፅጌ ዱጉማን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፍሬወይኒ ሃይሉን ሜዳሊያ ወርቂ፣ ብ3000 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳፍ ፀጋዬ ሜዳሊያ ብሩር ከምኡ እውን ብ3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሰለሞን ባረጋ ሜዳሊያ ነሓስ ንኢትዮጵያ ኣምፂኦም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ምስተገበረሉ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ምፍላጡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.