Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺቦም።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፥ ጉዳፍ ፀጋዬ 8:21.13 ብዝኾነ ሰዓት ውድድራ ብምዝዛም 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና፡፡

ለምለም ሃይሉ 8:30.36 ብዝኾነ ሰዓት 6ይ ደረጃ እንትትሕዝ፥ ሂሩት መሸሻ ድማ 8:34.61 ብዝኾነ ሰዓት 7ይቲ ብምውፃእ ውድድረን ከምዝዛዘማ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ የመላኽት፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ፥ ሰለሞን ባረጋ 7:43.64 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ተሸላሚ ሜዳልያ ነሓስ ኮይኑ፡፡

ኣትሌት ጌትነት ዋለ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.