Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትልሚ ዓመተ 2014 ንናህሪ ዋጋ ትኹረት ንክወሃብ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት በጀትን ፋይናንስን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ትልሚ ዓመተ 2014 ንናህሪ ዋጋ ትኹረት ንክወሃብ ሓቲቱ።

እቲ ኮሚቴ ምስ ኣረዳእቲ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ዘተ ኢዩ ነዚ ዝበለ።

ብተወሳኺ ኣበቲ ሓዱሽ በጀት ክካተቱ ኣለዎም ዝበሎም ካልኦት ጉዳያት ብዝምልከት ብዕምቆት ተዛቲዩ።

ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝመፅኡ ኣየተ ተፈሪ መኮንን፥ ናህሪ ዋጋ ንምቐናስ ናይ ነዊሕን ማእኸላይን ትልሚ መፍትሒታት ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ድልየትን ኣቕርቦትን ንምምጥጣን ዓሊሙ ስርዓት ዕዳጋ ምዕሩይ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ኢኦም።

በጀት ክልላት ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ብሓፈሻ 22 ቢሊየን ብር ናይ ሓባር ኣታዊ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.