Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትምህርቲ እንሰርሖም ስራሕቲ መናእሰይ ኣብ ተለዋዋጢ ዓለም ንምጉዓዝ ዘድሊዮም ፍልጠትን ክእለትን ንክረኽቡ ዝገብር ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትምህርቲ እንሰርሖም ስራሕቲ መናእሰይ ኣብ ተለዋዋጢ ዓለም ንምጉዓዝ ዘድሊዮም ፍልጠትን ክእለትን ንክረኽቡ ዝገብር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ፍሉይ ጉባኤ ምትሕብባር ትካል ትምህርቲ(ኦኢሲ)    ተሳቲፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣቕርቦት ትምህርቲ ሓቛፍነት ንምጉልባት ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ክፍተት ስርዓተ ፆታ ንክዕፆን ፍሉይ ድልየት ንዘለዎም ተምሃሮ ዘድሊዮም ንክረኽቡን ዘኽእል ኩሉ ትገብር ኣላ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንከባቢታት ሰበኽ ሳግምን ክፋል ሰበኽ ሳግምን  መሰረተ ልምዓትን ኣገልግሎት ትምህርቲን ምስፋሐ፣ ስሩዓት ዘይኮኑ ትምህርቲን መርሃ ግብሪታት ስልጠናን ንዓበይቲ ምሃብን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንጉድኣት ኣካል ምቹው ምዃነን ምርግጋፅን ካብ ዝስርሑ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት እቶም ውሑዳት ኢዮም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.