Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትካላት ምምሕዳር ዝትግበር ስነ-ስርዓት ኣዋጅ ምምሕዳር ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩለን ኣብ ትካላት ምምሕዳር ዝትግበር ስነ-ስርዓት ኣዋጅ ምምሕዳር ምውፅኡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ።

እቲ ኣዋጅ ፍትሓዊ ግልጋሎት ከምኡ እውን ተበፃሕነት መምርሒ ዝሐሸ ንኽኸውን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ትካላት ምምሐዳር ዝወፅኡ መምርሒታት ቅድሚ ምትግባሮም ዜጋታት ተሳቲፎሙሉ ቅርታ ዝፍፀረሎም እንተኾይኑ፥ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዱ ክኽለስ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

በዚህም የወጣው መመሪያ የዜጎችን መብት እና ጥቅም የሚነካ ሆኖ ከተገኘ ፍርድ ቤቱ የአስተዳደር ውሳኔው እንዲሻሻል መወሰን ይችላልም ነው የተባለው፡፡

ብኣዋጅን መምርሒን ዝግደቡ ፀገም መሰላት ንምትግባር ወሳኒ ኣዋጅ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣተገባብርኡ ድማ ካብ ትካላት ምምሕዳር ዝለኣኹ መምርሒታት ብላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ተመዝጊቦምን ቁፅሪ ተዋሂቡዎምን ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እተን ትካላትን ዕላዊ እንትግበር ጥራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ 800 መምርሒታት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.