Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 31 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 574 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 31 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብዚኣቶም ድማ 19 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ፣ ክልተ ሰባት ምስ ቫይረስኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም፣ 10 ሰባት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመላኽት።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ 69 ሺሕን 232 ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት ድማ እቶም 5 ሺሕን 800 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 1 ሺሕን 235 ሰባት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው 19 ሰባት ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 18 ሰባት ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

ክሳብ ሕዚ 4 ሺሕን 531 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ተጊፁ።

ክሳብ ሕዚ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና 34 ወገናት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.