Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንፀገም ዝተጋለፁ ዜጋታት ዝሕግዙ ወልታውያን መናእሰይ ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ንፀገም ዝተጋለፁ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝሕግዙ 1 ሺሕን 100 ወልታውያን መናእሰይ ተመሪቖም።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ሚኒቴር ሰላም ንሓደ ወርሒ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ዘሰልጠኖም መናእሰይ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓት ዝተረኸቡ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ እቶም ወለንታውያን ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ብምሽካም ናብ ስልጠና ምምፅኦም ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ፀገም ንምውፃእ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝዓቕሞም ንምነብርካት ምውሳኖም አመስጊኖም።

ኣገልግሎት ወለንታውያን ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት በስፍሓት ዝስረሐሉ ከምዝኾነ ዶክተር ሙሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ከከባቢኦም ብምውፋር ንቐፃሊ 10 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ንክህቡ ክግበር ኢዩ እውን ኢሎም።

እቶም ሰልጠንቲ ኣብ እንታይነትን ኣድላይነትን ወለንተናዊ ኣገልግሎት፣ ምምሕዳር ኣመራርሓ ስራሕ፣ ክእለት ምህዞን ብሽርክና ናይ ምስራሕ ኣድላይነትን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ግንዛበ ንክሕዙ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.