Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 51 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 619 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 51 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ኣቶም 25 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ፣ 2 ሰባት ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም እንትኾኑ፥ 24 ሰባት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመላኽት።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ 64 ሺሕን 444 ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝተመርመሩ 5 ሺሕን 589 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም 1 ሺሕን 145 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው ሰባት 19 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 19 ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

ክሳብ ሕዚ 4 ሺሕን 412 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ተጊፁ።

ትማሊ ኣብ መቐለ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስኮሮና ዝነበሩ ሓደ ወዲ 60 ዓመት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸው፥ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ሞት 32 ወገናት ኣጋጢሙ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.