Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል ምርምር ጋዜጠኝነት ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ 5 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሞያዊ ዓቕሚ ጋዜጠኝነት ከማዕብል ዝኽእል ማእኸል ምርምር ጋዜጠኝነት ከምዝህነፅ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ህንፀት ክሳብ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ዘሎ እዋን ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ 13 ዩንቨርስቲታት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ዝህባ እንትኾና፥ ኣብተን ዩንቨርስቲት ዝወሃብ ተግባራዊ ትምህርቲ ድኹም ምዃኑ፣ ነቲ ሞያ ዘድሊዩ መሰረተ ልምዓታት ዘይምሙላእን ዝወሃብ ትምህርቲ ብብቑዓት ሰብ ሞያታት ብዘይምውሃቡን ተመሪቖም ዝወፅኡ ተምሃሮ ፀገም ክእለት ሙያ ከምዘጋጥሞም እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ተምሃሮ ኣብ ስራሕ ምስኣተዉ ዘጋጥሞም ክፍተት ዓቕሚ ንምምላእ ዘኽእል ማእኸል ምርምር ሙያ ጋዜጠኝነት ከምዝህነፅ  ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድወሰን ኣንዷለም ኣብሪሆም።

እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ስራሕ ብምዃን ሙያዊ ዓቕሞም ንምጉልባት ዝሕግዞም ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.