Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 1 ሺሕን 652 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 22 ሺሕን 252 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 652 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ትማሊ ቁፅሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ቁፅሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 28 ሺሕን 894 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 17 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 509 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 377 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክሳብ ትማሊ ብድምር 12 ሺሕን 37 ሰባት ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 199 ሰባት ብፅኑዕ ከምዝሓመሙ ድማ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.