Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናህሪ ዕዳጋ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት እናጎድአ ይርከብ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናህሪ ዕዳጋ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት እናጎድአ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናህሪ ዕዳጋ፣ ዕቤት ፍርያት ሕርሻን፣ ዘፈር ኣገልግሎትን መኣዲ ንወለዶን ኣድሂቦም ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናህሪ ዕዳጋ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት እናጎድአ ምዃኑ ከምዝግንዘብን እቲ ፀገም ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘየቋርፅ ናህሪ ዕዳጋ ብምፍጣሩ ዝመፅአ ከምዝኾነን ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኣፍረይቲን ዓደግቲን ዘሎ ክፍተት ምትዕርራይ ከምዘይተኸኣለ፣ ኲናት፣ ድርቂ፣ ምንካይ ሓገዝ መሓዙት ኣካላትን ምውሳኽ ናብ ከተማ ዝግበር ፍልሰትን ቀንዲ ቀንዲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እናተተግሩ ዝርከቡ መፍትሒታት፥ ኣብ ቀረብ ፍርያት ብስፍሓት ምስራሕ፣ ማእኸል ምገባን ስርዓት ምክክፋል መኣዲን ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ድጎማታት እናተገበሩ ከምዝርከቡ፤ ንኣብነት ነዳዲ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ልዕሊ 50 ቢሊየን ብር ድጎማ ተገይሩ 133 ሺሕ ዝኾና ተሸከርከርቲ ድጎማ ክረኽባ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኤክስፖር ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ “ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ፀብፃብ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ መጠን ኤክስፖርት ዝተሓተ ኢዩ፤ ምኽንያቱ ድማ ከም ወርቂ ዝበሉ መዓድናትን ካልኦት ፍርያታትን ብኮንትሮባንድ ካብ ሃገር እናወፅኡ ብምዃኖም ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሴክተር ፀፅታ ብዕቱብ ካብ ዝተውሃቦም ተግባራት ሓደ ብምኽንያት ኮንትሮባንድ ዝበፅሕ ኢኮኖሚያዊ ክሳራ ምፍታሕ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ፍርያት ሕርሻ ዓብዩ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ “ኣብ ዋጋ ግን ፀገም ኣሎ፤ እዚ ድማ እታወታት ነዳዲን ሓይሊ ሰብን ከምኡ እውን ካልኦት እታወታት ዋጋ ብምውሳኽ ዝመፅአ ኢዩ” ኢሎም።

ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዘዕግብ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ፤ ናይ ውልቀ ኣፍረይቲ ትካላት ዝነኣድ ለውጢ እናምፅኡ ይርከቡ።

ኣገልግሎት ብዝምልከት ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ-ቴሌኮምን ልዑል ዝላ ከምዘመዝገቡ ኣብሪሆም፡፡

ምስ ቱሪዝም ተተሓሒዙ ፕሮጀክት ጎርጎራ 4 ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልአ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ኢዩ።

ፕሮጀክታት ወንጪን ኮይሻን እውን ዝበረታታዕ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ፣ መሰል ስራሕቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝከኣል ስለዘይኮነ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ መኣዲ ንወለዶ ከባቢ 5 ቢሊየን ብር ካብ ለገስቲ ሰብ ሃፍቲ ተኣኪቡ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ 8 ፕሮጀክቶችን ንምህናፅ ተሓሲቡ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ገረዓልታ ዝህነፅ ፕሮጀክት ሓደ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

መሰረተ ልምዓት መገዲ ብዝምልከት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 22 ሺሕ መገዲ ኣስፓልት እናተሰርሐ ከምዝርከብ፣ ብሓፈሻ ድማ 320 ፕሮጀክታት ልምዓት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ፤ እዞም ፕሮጀክታ 1 ትሪሊዮን ብር በጀት ዝጠልቡ ከምዝኾኑን ኣብሪሆም፡፡

“ኣብ ከይዲ ህንፀት እቶም ፕሮጀክታት ዝህሉ ዕንቅፋት ይህሉ ኢዩ፤ በዚ ምኽንያት ዝፍጠር ምድንጓያት ንምስትኽኻል ብኸመይ ንስራሓዮም ዝብል ብትኹረት ምስራሕ የድሊ” ኢሎም፡፡

ምስ ሕድሕድ ወረዳታት ዘራኽብ መገዲ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ስራሕ ክኸውን ስለዘይኽእል ክሕሰበሉ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓይሊ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ዝበሃሉ ቤት ዕዮታት ብዙሕ በጀት ዘድልዮም ትካላት ልምዓት ከምዝኾኑን እዚ ኩሉ ብምፅዋር ለይቲን ቀትሪን ዝስርሑ ዓይቲ ግድባት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናተሰርሑ ከምዝርከቡን ኣገንዚቦም፡፡

ሓይሊ ብዝምልከት ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ስራሕቲ ፕሮጀክት፥ ማዕረ ምስ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መገዲ ዓብዪ ትኹረት ዝተገበረሉን ኣዚዩ ዝዓበየን ከምዝኾነ ኣብ መብርሂኦም ኣፍሊጦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.